ቀያሕ ኣርሒ
ጥቅሚ ቀያሕ ኣርሒ ምንጻህ ቤተ መቅደስን ካህናትን ኣቁሑ ቤተ መቅደስን
ሰላም ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኩን ኣናበልኩ። ሎሚ ኣዳልየዮ ዘለኩ መደብ ናይ መወዳእታ ዘበንን ፡ ትንቢታዊ ፍጻሜታት ኣብ ኣስራኤልን ፡ ኣብቶም ንክርስቶስ የሱስ ጎይታና ምምጻኡ ዝጽበዩን ፡ ንምቃሕን ምድላውን ክሕግዘና ዝኽእል እዋናዊ ጉዳያት ከብለኩም እየ ፡ ብሓደ ምሳይ ጻንሖት ክትገብሩ ብክብሪ ይድመኩም።
ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ኣይሁድ ዳግም ንኪህነጽ ካብ ዘቀላጥፍዎ ሓደ ፥ ምህላው ቀያሕ ኣርሕን ፡ መስዋእቲ ናይታ ኣርሕን እዩ። ብዘይ እዛ ቀያሕ ኣርሒ ፡ ምሕናጽ ናይቲ ዝድልይዎ ዘለዉ ቤተ መቅደስ ኣብ የሩሳሌም ፡ ክሰምር ኣይክእልን እዩ። ንምንታይ እንተደኣ ኢልና ፡ ብመሰረት ብሉይ ኪዳንን ፡ ብእምነት ኣይሁድን፡ መስዋእቲ ናይታ ቀያሕ ኣርሒን ፡ ሓኮምሽቲ ናይታ ኣርሕን፡ ንቤተ መቅደስን ፡ ንካህናትን ፡ ንኣቅሑ ቤተ መቅደስን ከንጽህ ፡ እቲ እንኮ መስርሕ ስለ ዝኮነ ኢሎም፡ ኣብ ምድላው ስለ ዘለዉን እዩ።
ንነዊሕ ግዜ ኣይሁዳውያን ከዋድድዎን ክዳለዉሉን ንዝጸንሑ ብtemple institute ዝፍለጥ ፡ ናይ ምህናጽ ቤት መቅደስ ኣብ እስራኢል ዘተግብር ፡ መጽናዕትን ምርምርን ንምድላው ዝኸውን ከኣ ዘጻፍፍ ፡ ናይ ኣይሁድ ፍሉይ ናይ ምርምር ሃይማነታዊ ትካል ኣሎ። እዚ institute እዚ፥ ንኩሉ ነቲ መቅደስ ዘድልይ ምሉእ ትሕዝቶን ፡ ምፍላይ ካህናትን ፡ ከምኡውን blue print ናይታ ክትህነጽ ዝደልዩዋ ዘለዉ ቤተ መቅደስን ፡ ምሉእ ኣቁሑት መቅደስ ኣዳሊዮም ይርከቡ። ብፍላይ ድማ ነቶም ካህናት ንምምራጽ ካብቲ ዝተጠቅሙሉ ኣገባባት ፥ ካብ ዘርእዪ ኣሮን ምኻኖም ዘረጋግጽ DNA ዘለዎምን ፥ ኣብ ሆስፒታል ዘይተውልዱን 9 ካህናት ኣዳልዪ ይርከብ። ካብኦም ድማ ራባይ. . . . ሊቀ ካህናት ክኸውን መሪጾሞ ኣለዉ።
ሕራይ እምበር ፡ ንሎሚ ኣብ ምድላዋት ናይተን ቀያሕቲ ኣርሒ ዘሎ ክትትል ከተኩር እየ።
ከም ዝፍለት ኣብ ወርሒ መስከረም ወይ September 16 2022 ፡ ሓሙሽተ ቀያሕቲ ኣርሒ
ብዝተገብረ ነዊሕ ክትትል ፡ ኣብ ግዝኣተ ቴክሳስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስ ተረክባ ፡ ብዙሕ ክትዓትን ፡ ጽምብላትን ፡ ሻቅሎትን ከም ዝተጠራ ይዝከር እዩ። ኣብቲ ግዜ፡ ኮቪድ 19 ስለ ዝነበረ ፥ ምስ ተወልዳ ኣብ እዝነን ከይተሰቕራ ፥ ገለ እንታ ከይተረክበንን እየን ጸኒሐን። ኣብ ኢድ ራባያት ክርከባ ከለዋ ከኣ ዓመትን መንፈቅን ገይረን ነይረን ፡ እዚ ኣብ መጋቢት 2022 እዩ። ናብ እስራኤል ክኸዳ ብዙሕ ጥንቃቀ ፡ ዘለዎ መስርሕ እየን ሓሊፈን። መጀመርታ ካብ ቴክሳስ ናብ ኒው-ዮርክ ክሳፈራ ነበረን ። ካብኡ ድማ ቀጥታ ድሕሪ 10 ሰዓት ጉዕዞ ናብ እስራኤል ኣትየን። ኣብቲ Geopolitics ናይ ምስልምና ኣለም ፡ ብዙሕ ፍሕፍሕ ከምጽኣ ተሰጊኡ ስለ ዝነበረ ናብ ስቱር ሰሜናዊ ክፍሊ ናይ እስራኤል ክሕለዋ ድሕሪ ምጽናሕ ፥ ሕጂ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ shilo ተሰጋጊረን ኣለዋ። ናይዘን ኣርሒ ምርካብን ኣብ እስራኤል ምርኣይን ዘምጽኦ ዘሎ ጽልዋ እንታይ እዩ ?
ሕራይ እምበኣር ጽቡቅ፡ ምስ ምትእስሳር መወዳእታ ዘበን ፍጻሜን ፡ ትንቢታዊ ጽሑፋትን ታሪካዊ ኣመጻጽኣ ቤተ መቅደስን ክንርእይ ኢና። ሰናይ ምክትታል።
መጀመርታ ከም መእተዊ ዝኾነና ፡ ንምንታይ እታ ቀያሕ ኣርሒ ከም እተገልግል ክንርእይ።
ኣብ ዘሁ 19፡ 1-6 ዘሎ ከምዚ ይብል “1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 2 እቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጕድለትን ኣበርን ዜብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። 3እዚኣ ንኻህን ኣልኣዛር ሀብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ።4 ካህን ኣልኣዛር ከኣ ካብቲ ደማ በጻብዑ ይውሰድ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ድንኳን ምርኻብ ካብ ደማ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። 5 ነታ ላም ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ የንድዳ፡ ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስናይ ፈርሳ ይንደድ። 6 እቲ ኻህን ድማ ዕጨይቲ ጽሕድን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ይውሰድ፡ ናብ ማእከል እቲ ኣርሒ እትነደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ።”
ኣይሁዳውያን ቤተ መቅደስ ዘይምህናጾምን ብክህነት ብሉይ ኪዳን ከኣ ከገልግሉ ዘይምክኣሎም ፡ ከምቲ ከነብቦ ዝጸናሕና ፡ ንካህናት ዝቅድሶምን ዘንጽሆምን ፡ከምኡውን ነታ ዝጽበይዋ ዘለዉ ቤተመቅደስ ንምህናጽ ፡ ብምንጻግ ደምን ፡ ብመስዋእቲ ምሉእ ምሕራር ናይ ቀያሕ ኣርሒ ዝፍጸም ስለ ዝኮነን ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ፡ ድሕሪ እታ ንጉስ ሄሮድ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ፡ ዘሐደሳ ቤተ መቅደስ፡ ድሕሩኡ ንከባቢ 2000 ዓመት ዝኣክል ንመስዋእቲ እትከውን ኣርሓ ኣይቀረበትን። ብፍላይ ድማ ካብ 1967ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ምድላይ ቀያሕ ኣርሒ እዮም ጸኒሖም። ተሓሊሎም ፡ ብላባላቶሪ DNA እናዳቀሉ ኣብ ፈተነ ድሕሪ ምጽናሕ። ናይዘን 5 ቀያሕቲ ኣርሑ ምርካበን ፡ ንኣይሁዳውያን ሃንደበታዊ ፡ ኣብ ዓቢ ፌስታ ሸሚምዎም ይርከቡ።
እታ ኣርሒ
መስዋእቲ መድሓኒናን ጎይታናን የሱስ ክርስቶስ ተካኢ ናይታ ቀያሕ ኣርሒ ምኻኑን ፡ ንዝተቀበሎ ኩሉ ከኣ ፡ ንምንጻህን ፡ ንሕድገት ሓጥኣትን ኮይኑ ከም ዝመጸ ስለ ዘይተቀበልዎ ፡ ዘበኑ ብዘይምርማሮም ፡ ነቲ ዝመጽእ ጸረ-ክርስቶስ ፡ ኣብ መገዲ ምጥጣሕን ፡ ፈጸምቲ ናይቲ ትንቢት ኮይኖም ድማ ፡ ነታ ቀያሕ ኣርሒ ኣብ መስዋእቲ ኣብ ምቅራብ ይርከቡ ኣለዉ።
ከም እምነት ኣይሁድ ፡ መስዋእቲ እታ ኣርሓ ምስ ፈጸሙ ፡ ማለት ሓሞኩሽቲ እታ ኣርሓ ፡ክሳዕ እታ መቅደስ እትሃንጽ ፡ ከተቀምጦ ትኽእል ኢኻ ዝብል እምነት ስለ ዘለዎም ፡ ሕጂ ቀዳምነት ዝህብዎ ዘለዉ ጉዳይ ከመይ ገርካ ፡ ሓንቲ ኣርሓ ብንጽህናኣ ከላ ኣብ መስዋእቲ ትቀርብ ዝብል እዩ። ኮይኑ ከኣ ግዜ ኣብ ምምራጽ ይርከቡ ኣለዉ።
ብመሰረት ዘሁ 19 ምዕራፍ
መስርሕ ናይቲ መስዋእቲ ፡ ካብቲ ሰፈር እቲ ቤተ መቅደስ ወጻኢ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ኮይና ብሓዊ መስዋእቲ ስለ እትነድድ ፡ ናብቲ ቤተ መቅደስ ፊት ንፍት ዝጥምት መስዋእቲ ክኸውን መታን ፡ ከምቲ ሕጂ ዘሎ ኣቀማምጣ ከኣ Temple mount ማለት ቤተ መቅደስ ተደኪናትሉ ዝነበረት ቦታ፡ ብሸነኽ ቅድሚታ ዘሎ ማዕዶ ከረን እዚ ከኣ ፡ ካብቲ ሰፈር ወጻኢ ክብል ከሎ ፡ ንmount olive ወይ ከኣ ከረን ዘይቲ ዘመልክት እዩ። ስለዚ እቲ መስዋእቲ ክኻየደሉ ዘለዎ ቦታ ኣብዚ ንርእዮ ዘሎና ፡ ምኻኑ ስለ ዝተጸንዔ ራባይ ማሞ ዝተባህለ እስራኤላዊ ቅድሚ 12 ዓመት ነዚ mount olive ገዚኡ ዋንነቱ ጌይሩ ኣቂብዎ ይርከብ። video , temple mount, mount olive, mamo interview,
ከም ካልኣይ ኣማራጺ ገይሮም ዝጥምትዎ ከኣ ፡ ድሒሩ ብዝተረክበ ኣርኪሎጂካዊ ኻዕታ ፡ ኣብ ሺሎ ፡ እያሱ ግዝያዊ መዕረፊ ዝተጠቅመሉ ናይ ድንኻን ምርኻብ ሰፈር ስለ ዘሎ። እዚ’ውን ከም ካልኣይ ቦታ ንምህናጽ እታ ተደልያ ዘላ ቤተ መቅደስ ከገልግል ከም ዝክእል ይዝረበሉ እዩ። ኮይኑ ግን እቲ ትንቢት ናብ ከረን ሞርያ (ማለት ኣብርሃም ንይስሃቅ ክስውኦ ዝተኣዘዞ ከረን) ዝእምት ስለ ዝኾነ፡ ናብ ከረን ሞርያ ወይ ከኣ ብካልእ ሽሙ Temple mount ፡ መስጊድ ተሃኒጽሉ ዘሎ ቦታ እዩ። የዒንቲ ኩሉ ናብዚ ስለ ዘሎ ድማ ሰላም ንክሰፍን ተባሂሉ abrhamic covenant ዝተሰምየ መስርሕ ስምምዓት ኣብ ኣይሁዳውያንን ሞስሊምን ክርስትያናትን ኣብ መስርሕ ይከይድ ኣሎ።
እታ ብንጉስ ሰለሙን ዝተሃንጸት ቤተ መቅደስ ፡ ጸኒሓ ብንጉስ ባቢሎን ዝፈረሰት ፡ ከምኡውን ዳግማይ ብዘሩባበል ዝተሃንጸትን ፡ ድሒራ ድማ ብንጉስ ሄሮድ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝተሓደሰት ፡ ከምቲ እተባህለላ እምኒ ኣብ ርእሲ እምኒ ክሳዕ እትከውን ከም እትፈርስ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ትንቢት ክፍጸም ኣብ 70 ዓመት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ኢድ ሮማውያን የሕሊፋ እተዋበት እሞ ዝፈረሰት ፡ በቲ ድሒሩ ዝተገብረ ካዕታን ፡ በቲ ኣብ መናድቅን ትሕተ ታሕቲኡን ኣብ Temple mount ዝተረክበ ኣሰራት ቤተ መቅደስ ፡ ኣይሁዳውያን ቀልቦም ናብዚ ኣድሂበን ኣለዋ።
(pic wailing wall) ክትህነጸሉ ተክእሎ ዘሎ ዝበሃለሉ ዘሎ ድማ ብምብራቅ የሩሳሌም ለጊቡ ዘሎ መንደቅ እዩ። wailing wall ዝበሃል እዩ።
ኣብ ራእ 11፡1-2 ከምዚ ይብል “1 ዘንጊ ዚመስል ሻምብቆ ኸኣ ተዋህበኒ፡ ሓደ ድማ፡ ተንስእ እሞ ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዚሰግዱን ስፈር፡ በለኒ። 2 እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮውን፡ ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም።”
እዚ ምባሉ ገለ ክፍሊ ናይታ መቅደስ ንኣህዛብ ከም ዝተዋህበ እዩ ዝሕብረና ዘሎ።
እዚ ጽሑፍ ዘመልክተልና ፡ ሃዋርያ ዮውሃንስ ኣብቲ ዝራኣዮ ራእይ ፡ ነታ ዳሕራይ ክትህነጽ ዘለዋ ቤተ መቅደስ ስፈር ከምዝበሎን ፡ ስዒቡ ድማ ፡ ገለ ክፍሊ ናይታ መቅደስ ግና ነህዛብ ስለ ዝተዋህበ ሕደጎ ኣይትስፈሮ ከም ዝተባህሎን ንርእይ። ንምንታይ እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮ ዝብሎ ዘሎ ? ምክንያቱ እቲ Temple mount በዚ ዘበን መዓቀኒ ኣብ 4 ሰፈራት ተመቃቂሉ ስለዘሎ እዩ፡ እወ ነህዛብ ዝተዋህበ ስለ ዘሎ። ንሱ ከኣ ምብራቃዊ የሩሳሌም እዚ ሕጂ ታሪኻዊ ናይ ቀደም ከተማ የሩሳሌም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣይሁድ ርብዒ ክውንኑ ከለዉ። እቲ ካልእ ክፋላት ከኣ ፡ ምስልምና ርብዒ ፡ ክርስትና ርብዒ ፡ ከምኡ ከኣ ኣርመንያን ርብዒ መሬት ናይ Temple mount ይውንኑ።
ኣብዘን ሓጸርቲ ኣዋርሕ ኣይሁዳውያን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ናይተን 5 ቀያሕቲ ኣርሑ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺታቶም ፡
ድሮ ካብዘን 5 ቀያሕቲ ኣርሒ ሓንቲ ፡ ካብቲ መስፈር ብሉይ ኪዳን ዘይብቅዕቲ ኮይና ስለ ዝተረክበት Disqualify ኮይና ኣላ ኢሎም ኣለዉ።
ከም ልማድ ኣይሁድ ዝተወስደ መወከሲታትን ፡ ካብ መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን ዝተወደን ፡ እታ ቀያሕ ኣርሒ ፡ ኣብ 3ይ ዓመታ ምስ ረገጸት ክሳዕ 5ይ ዓመት እያ ፡ ናብ መስዋእቲ ምሕራር እትቀርብ ይብሉ። መወከሲኦም ድማ ካብ ናይ ኣብርሃም ዘቅረቦ መስዋእቲ ተበጊሶም ፡ ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።
እተን ቀያሕት ኣርሒ ኣብ September 2022 ዓመትን 6 ወርሕን ገይረን ነይረን፡ ክሳዕ ዝመጽእ ሰነ – June 2024 ድማ 3 ዓመት ኣብ ምፍጻም ይርከባ። ካብቲ ኣብ ምርጫታት ዘሎ ንመስዋእቲ ትቀርበሉ ግዜ ድማ፡
ቀዳማይ፡ ቅድሚ 22 ሚያዝያ ማለት April 22 2025 ቅድሚ ፋሲካ ወይ passover ብእስራአል እዩ።
ከም ካልኣይ መደብ ድማ ፡ ድሕሪ ፋሲካ 50 መዓልቲ ዘሎ ኣብ Shavuot ማለት ካብ ሰነ ወይ June 2025 ዘሎ ንደሓር ፡ መስዋእቲ ጽምብል ክገብሩ ፡ ከም ዝኽእሉ ይዝረበሉ ኣሎ።
ካልእ ፡ እተን ኣርሒ፡ ግዜ ብዝከደ ፡ ኣበር ክርከበንን ካብቲ መስፈር ብሉይ ኪዳንውን ዘይብቁዓት ኮይነን ክርከባ ስለ ዝክእላ ፡ ንነዊሕ ክጽበይወን ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። ብፍላይ ከኣ ብምክንያት ናይ ሓማስ ኣፈኝ ካብ ዝዛረብ ንደሓር ፡ ነቲ መስዋእቲ ከይተረኣዩ ኣብ ዝኾነ ግዜ ከም ዝገብርዎ ይንገር ኣሎ።
ኣፈኛ ወተሃደራት ሃማስ ኣቡ ኦቤዳ ኣብቲ ብtelevision ቀሪቡ ፡ ንዝኽሪ 100 መዓልቲ ዝርርብ ክህብ ከሎ ፡ እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 እተገብረ ብ”ኣል-ኣቅሳ ፍላድ” ዝተሰምየ ኦፐራቲኦን ካብቲ ቀንዲ ጅማሪኡ ፡ ኣብ እስራኤል ቀይሕ ኣርሒ ምምጻእ ንውግእ ከም ዘለዓዓለ ሓበሩ። እዚ ከኣ ኣይሁዳውያን ኣብ Temple mount ቤተ መቅደስ ክሰርሑ ስለ ዘተባብዖም እዩ ፡ ዝብል ሓሳብ እዩ፡፡ video
እዚ ክስተታት ኩሉ ዘመላክተልና፡ እንተደኣ ነተን ትንቢታዊ ጽሑፋትውን ኣዕሙቅና መርሚርናየንን ፡ ናብቲ ናይ ሸውዓተ ዓመት መከራ ዘፍጥን መድረኻት ይኽሰቱ ከም ዘለዉ ክንግንዘብ ንኽእል። ከምቲ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ፡ ነቲ ብነብዪ ዳኒኤል ዝተባህለ ከነስተውዕሎን ፡ ናይ መወዳእታ ዘበን ምልክታት ከኣ ክንጥንቀቀሎምን ክነቅሕን ዝመህረና ፡ ከምዚ ዝብል
ማቴ 24፡15 “እቲ ብነብይ ዳኒኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ እንተ ርኤኩም ፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል”
እቲ “ዜንብብ የስተውዕል” ምባሉ ፡ ከምኡውን ““እቲ ብነብይ ዳኒኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ እንተ ርኤኩም” እንተ ርኢኩም ምባሉን ፡ ንመን መጠንቀቅታን ምስትውዓልን ይህብ ኣሎ። እወ ንዓና ፡ ነቶም ቃል ኣምላኽ እነንብብ ክርስትያናት። እሞ እንተ ርኢኩም ፡ ካብ በለ ፡ ኣብታ እትህነጽ መቅደስ ፡ እቲ ወዲ ዓመጻ ፡ እንተ ቆይሙ ፡ እንርእይ ፡ ንኣምላኽን ንማሕበሩን ድማ ኣፉ ከፊቱ ጸርፊ ዝገብረላ ጊዜን ፡ ልብና ብኡ መታን ከይንጉዳእን ፡ በታ ንቅዱሳን ምሳታቶም ውግእ ክገብርን ክስዕሮምን እዩ ዝተባህለሉ ጸረ- ክርስቶስ ፡ ውሱን ግዜን ስልጣንን ካብ ኣምላኽ ተመዲብሉ ኣሎ፡፡ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እታ ግዜ ክትሓጽር እያ ስለ ዝተባህለ፡ እቲ መከራ ንዝተወሰነ ግዜ እዩ።
ኣብ ት.ዳኒ 9፡27 ከምዚ ይብል “ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪኣቱ እዩ። ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፉ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክሳዕ እታ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።” ይብል።
ከምኡ ውን
ኣብ 2ተሰለንቁየ 2፡4 ከምዚ ይብል
“3-4ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናኣርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዚቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዚብሃል ዘበለ ዚትንስእን ዚዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ጥፍኣት፡ ከይተገለጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኰነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም።”
ኣብዛ ጥቅሲ ፡ ሃዋርያ ፓውሎስ እንደገና ብንጹር ፡ ስለ እታ እትህነጽ መቅደስን ፥ በቲ ግዜ እቲ ዝትንስእ ጸረ ክርስቶስ ድማ ፡ ከመይ ገይሩ ኣብታ መቅደስ ትዕቢቱ ከም ዘርእይን ይገልጽ ኣሎ። ኣስዒቡ ድማ ከምዚ ይብል እቲ ወዲ ጥፍኣት ከይተገልጸ ማለት ጸረ ክርስቶስ ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ።
መግለጺ ዘየድዮ ጽሑፍ እዩ ፡ እወ እታ መዓልቲ ምግላጽ ጎይታና የሱስ ቅድሚ ምምጽኣ ፡ ጸረ ክርስቶስ ከም ዝግለጽ ይነግረና ኣሎ።
እዚ ማለት ከኣ ክርስቶስ ክመጽእ እንተ ኮይኑ ፡ እታ መቅደስ ክትህነጽ ኣለዋ ፡ እንደገና ከኣ እቲ ጸረ ክርስቶስ ክግለጽ ኣለዎ። ስለዚ ከኣ እዩ ፡ ኣብ ራእ 13፡5-6 “በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ። ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ።” ዝብል።
እሞ እዛ ቀያሕ ኣርሒ ምትሕሓዛ ምስታ እትህነጽ መቅደስ ካብ ኮነ፡ ምህናጽ መቅደስ ከኣ ፡ ትንቢታዊ ፍጻሜ ዜክስት ካብ ኮነ ፡ ነዚ ዘበን ብኩሉ ክንምርምሮን ፡ መኣዝኑ ድማ ናበይ ይፈጥን ከምዘሎ ክንመዝኖን ከድልየና እዩ።
ራእ 13 ፡ 4-10
4
ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧ እናበሉ ሰገዱሉ።
5
ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ።
6
ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ።
7
ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ።
8
እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም።
9
ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ።
10
ዚማርኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ።”
ኣብዚ ጥቅስታት ከም እንርእዮ ዘለና ፡ ጸረ ክርስቶስ ኣብ ስፍርኡ ምስ ቆመ ፡ ጥቅሲ 6ን 7ን “ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። ይብለና።
ምስ መን ውግእ ክገብር? ምስቶም ቅዱሳን።
እንደገና ካልእ ጥቅሲ ንርአ
ራእ 12፡13-18 ከምዚ ይብል
“13
“13 እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ።
14
ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ።
15
እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ።
16
ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ።
17
እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ።
18
ኣብ ሑጻ ባሕሪውን ደው በለ።
ጥቅሲ 17 “እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ።”
እቲ ገበል ምስ መን እዩ ዝዋጋእ “ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን”
ራእ 14፡9-15
9
ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዐቦም፡ ብብርቱዕ ድምጺ ኸምዚ እናበለ፡ ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተም እንተ ተቐበለ፡
10
ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይምሕዋስ እተቐድሔ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀ እዩ።
11
ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።
12
እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።
13
ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።
14
ርኤኹ ድማ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ።
15
ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ጊዜ ዓጺድ አትዩ፡ ፍረ ምድሪውን በጺኡ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዔ።
ኣብ ጥቅሲ 9,10 11ን ስምዕታን መጠንቀቅታን ዝኸውንን ምስ ተዛረበ ፡ ነቶም “ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳትን ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ ኢሉ። ነቲ ጸረ ክርስቶስን ማሕተሙን ኣሰራርሕኡን ኣላልዮም ፡ ኣብ እምነቶም ክጸንዑን ፡ በቲ ዝመጽእ መከራ ከኣ ክዕገሱን ይምዕድ።
ማቴ 24፡19-31
19
በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን።
20-21
ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።
22
እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።
23
ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ።
24
ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኬስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።
25
እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም።
26
እንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ፡፡ ኣብ ቤት አሎ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ።
27
በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
28
ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም።
29
ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም።
30
ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።
31
ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም።
32
ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።
33
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ።
34
እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
ማቴ ምዕራፍ 24 ብምልእታ እዛ ሞራፍ ብዛዕባ መወዳእታ ዘበንን ምምጻእ ክርስቶስን ተርታ ብተርታ ፡ ስሩዕ ምስቲ ማሕተማት ኣብ ራእይ 6 ምዕራፍ ዘሎ ዝሰማማዕ ቅደም ተከተል ፍጻሜታት እዩ ዘሎ።
ብፍላይ ኣብዛ ምዕራፍ ሕሩያት ዝብላ ቃላት ከም ቅደም ተከተል እንተሪእናየን ፡
ኣብ ጥቅስታት 20 ክሳብ 22 ዘሎ ሓሳብ ፡ ሽዑ መከራ ክኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኮነ፡ ክብል ከሎ፡ ዓቢ መከራ ከምዝኸውን ይዛረብ ኣሎ፡ ቀጺሉ ከኣ ፡
“22 እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።”
ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልታት ክሕጽራ እየን ይብል ፡ እዚ ክብል ከሎ ዘመልክተልና እንተሃልዩ ፡ እቶም ሕሩያት ዝብሎም ዘሎ ብጎይታ የሱስ ዝደሓኑ ፡ ወይ ከኣ ምስክር የሱስ ዝሓዙ ፡ እተን መዓልታት ኪሓጽራ እየን ዝብለን ዘሎ ከኣ በተን 42 ወርሒ እዩ ፡ እዚ ማለት ንሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ምኻኑ ኣብ ራእ 13፡5-7 ራእ 11-14 ራእ 12፡1-18 ዘሎ ክፍሊ ጽሑፋት የብርሃልና እዩ።
ት.ዳኒ 12፡7 “እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዐለባ እተኸድነ፣ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ ንየማነይትን ጸጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዕለ እሞ፣ ንዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን እዩ፣ እቲ ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፣ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም እዩ፣ ኢሉ በቲ ንዘለኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ኪምሕል ከሎ ሰማዕክዎ።”
እንደገና ኣብ ት.ዳኒ 7፡25 ንርአ
“ኣብቲ ልዑል ከኣ ናይ ትዕቢት ቃል ኪዛረብ፣ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ድማ ኬጽንቶም፣ ዘመናትን ሕጋጋትን ኪልውጥ ከኣ ኪሕልን እዩ፣ ንሳቶምውን ክሳዕ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም።”
ኣብዘን ክልተ ጥቅስታት “ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን” ሰለስተ ዓመትን ፈረቃን የመልክት ።
ድሕሪ እዚ ኩሉ ምባል ፡> ንሕና ክርስትያናት ኣጸቢቅና ንቃል ኣምላኽ ክንምርምሮም ከነስተንትኖን ንመንፈስ ኣግዚኣቢሄር ድማ ክምህረናን ልብና ከፊትና ፡ ናይ ገዛእ ርእስና መጽናዕቲ ክንገብርን ከዘካክር ይፈቱ። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ነዊሕ ከይድና እንተ ኣጽኒዕና ፡ ኣኣብ ክፍላተ ዘበናት ፡ ነናቶም ዝኮነ ኣሰራርዓ ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ዘበንን ምምላስ ክርስቶስን ፡ ኣብ ዘበኖም ነቲ ጽሑፍ ክትርጉምዎን ናቶም escatilogy ክሃንጹን ንርእይ ኢና። እዚ ከኣ ንቤተ ክርስትያት ናብ ብዙሕ ኣንፈት ሓሳባት ወጢጥዋ ይርከብ።
ኣብ ናይ ነዊሕ ናይ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ትምህርትታት ፡ ቤተ ክርስትያን ብመከራ ከም ትሓልፍ ዝብል ትምህርቲ ዓብሊሉ ይኸይድ ከምዝነበረን ፡ ዲሒሩ ግን ፡ ኣብ 19 ክፍለ ዘበን John Nelson Darby ዝተባህለ ፡ ካብ ተወላዲ ኣዲ እንግሊዝ ዝኮነ፡ ቀንዲ መፍለጢኡ ከኣ ፡ ብ pri-tri ቅድሚ መከራ ምንጣቅ ዝብል ሓሳብ ዘምጽአ ሰብ እዩ። እቲ ናቱ ትምህርትታት ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘበን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ህቡብነት ክረክብ ክኢሉ። ነዚ ዝሓገዞ ድማ ብScofield Reference Bible ዝፍለጥ ሕትመት መጽናዕታዊ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። በዚ መጽሓፍን በቲ ዓዲ ዓዲ እናኸደ ዝህቦ ዝነበረ ኣስተምህሮ ድማ፡ እዚ ትምህርቲ ከም መወከስን ህቡብ እምነትን እናከደን ጸኒሑ
ሕጂ ግና ነቲ ዓቢ መከራ ከመይ ገይራ ቤተ ክርስትያን ክትዳለወሉ ከም ዘለዋ ። ብዙሕ ትምህርትታት ኣናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።
ብርግጽ ንሕና ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዘበን ፍጻሜ እንርከብ ፡ ከመይ ብጥንቃቀ ከም ኣንመላለስ ከነስተውዕል ይግብኣና።
ኣምላክ ይባርኩም
ሓውኩም ዮናስ ክብረኣብ